ኣብ 2023 ዓ.ፈ 66 ንኡስ ጨንፈራት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ናብ ኮር ባንኪኒግ ሲስተም ኣትየን

ኣብዚ ንዛዝሞ ዘለና 2023 ዓ.ፈ ጨንፈራት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ብሲስተም ክተኣሳሰራ ብዝተገበረ ፃዕሪ   ብዘይካ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ዝርከባ 66 ንኡስ ጨንፈራት ብኮር ባንኪንግ ተኣሳሲረን፡፡

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ፀገማት ብምፅናዕን ናብ ስራሕቲ ቴክኖለጂ ንምስጋርን ኣብ እትገብሮም ዘላ ስራሕቲ ኩሎም ጨንፈራታ ብኮር ባንኪንግ ሲስተም ክተኣሳሰሩ ንምክኣል ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ስራሕቲ ማንዋል ብምውጋድ ሰለጠን ስራሕታ ንምስፋሕ፣ ድልየት ዓማዊላ ንምርዋይን ፅርየት ዘለዎም ስራሕቲ ንምስራሕ ኣብ እትገብሮም ዘላ ሰፋሕቲ ለውጥታት ኣብ 2023 ዓ.ፈ ጥራሕ 66 ንኡስ ጨንፈራት ብኮር ባንኪንግ ብምትእስሳር ዝሐሸ ስራሕ ንምስራሕ እናተረባረበት እያ፡፡

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ መላእ ትግራይን ኣዲስኣበባን ሓዊሱ 202 ጨንፈራትን ንኡስ ጨንፈራትን ዘለዉዋ እንትኮኑ ዛጊድ 109 ጨናፍራ ብኮር ባንኪንግ ዝተኣሳሰሩ እንትኮኑ እቶም ዝተረፉ  ድማ ናብ ሲስተም ንክኣትዉ ኣብ ከይዲ ስራሕቲ ትርከብ፡፡

About the Author

You may also like these