ደደቢት ማይክሮፋይናንስ መበል202 ጨንፈራ ኣብ ተከዘ ከፊታ

ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት መበል 202 ጨንፈር ኣብ ተከዘ ዕለት 17 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ብዕሊ ኣመሪቓ ናብ ግልጋሎት ኣብቂዓ። ንመስርሒ ህንፃ ዝኸውን መሬት እውን ተፈቒዱላ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ምኽፋት ጨንፈር ተከዘ ኣካላት ምምሕዳር ወረዳ፣ ጣብያ፣ ተወከልቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት መትከል፣ ተወከልቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ነጋዶን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ላዕለዎት ሓለፍቲ ደደቢትን ተሳተፍቲ ነይሮም።

እዛ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ ጣብያ ስየ ዕሸል ከተማ ተከዘ ዝተኸፈተት ንኡስ ጨንፈር ዘመናዊ ስርዓት ቴክኖሎጂ ባንኪ (Core Banking) ዘተኣታተወት ኮይና፤ ንዓኣ ሓዊስካ እተን 110 ጨንፈራት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ቴክኖሎጂ ኮር ባንኪንግ ዝተኣሳሰራ እየን። እዚ ድማ ኣብታ ንኡስ ጨንፈር ዘእተኻዮ ገንዘብ ኣብ ዝደለኻዮ ጨንፈር ደደቢት (ካብተን 110 ኣብ ሓንቲ) ኮይንካ ገንዘብካ ንምውፃእ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።

ክሳብ ሎሚ ናብ ንኡስ ጨንፈር ጀጀቀ እንዳተመላለሱ ይዓቁሩን ይልቅሑን ምንባሮም ዝገለፁ ነበርቲ፣ ካብ ሎሚ ንደሓር ግና እቲ ግልጋሎት ቀረብ ገንዘብ ኣብ ጥቅኦም ምጅማሩ ልዑል ታሕጓስ ከም ዝገለፀሎም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ገሊፆም። ኣብታ ዝተኸፈተትላ መዓልቲ ልዕሊ 40 ሰባት ዝዓቖሩ እንትኾኑ፤ ደደቢት ነታ ሎሚ ዝተኸፈተት ንኡስ ጨንፈር ተከዘ ሓዊሱ ብ10 ጨንፈራትን ንኡሳት ጨንፈራትን ኣብ ዞባዊ ቤት ፅሕፈት ዓብይ ዓዲ ግልጋሎት እንዳሃበት ትርከብ።

እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደደቢት ዘሐጎሶም ኣካላት ምምሕዳር ወረዳን ጣብያን ከምኡ ድማ ህዝቢ እቲ ከባብን ንናይ ደደቢት መስርሒ ህንፃ ዝኸውን መሬት ከዳልዉ ቃል ኣትዮም።

ንተወሳሺ ሓበሬታ ናብ https://decsimfi.com/ ኣቲኹም ረአዩ።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

About the Author

You may also like these