ኣብ ትሕቲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ካብ ዝሰርሑ ክፍልታት ሓደ ዝኾነ ክፍሊ ድሕንነትን ሓበሬታ ቴክኖሎጅን ኣብ ዙርያ ድሕንነት ሓበሬታ፣ ድሕንነት ሳይቨር፣ ዓይነታት ጥቕዓትን ባህርያቶምን፣ መሕለፊ ቁፅሪ (ፓስዎርድ)፣ ማሕበራዊ ምህንድስና፣ ፖሊሲ ምሕደራ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ትካል፣ ሞባይል ባንኪንግን ጥቕዓት ሳይበር ብመንፅር ሕግን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኩለን ማእኸላት ዞባ ደደቢት 22 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ን189 ሰብ ሞያ ኣይትን ሕግን፣ ኣብ ሲስተም ዘተኣታተዋ ጨንፈራትን ንኡስ ጨንፈራትን ዝርከቡ መካየድቲ ስራሕን ኮሚቴ ዞባን ስልጠና ሂቡ።
ኣብ ትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ላዕለዋይ ክኢላ ድሕንነትን ሓበሬታ ቴክኖሎጅን ዝኾኑ ኣይተ ይስሃቕ ኣለሙ ከምዝበልዎ ߵߵኣብ ዓለምና ካብ ዝበፅሑ ጥቕዓት ሳይበር ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ፍፃመኦም እንትረአ ብድኹም ጎኒ ደቂ ሰባት ማለት እውን ጉድለት ግንዛበን ኣመለኻኽታን ዝፍጠሩ ፀገማት ምዃኖም መፅናዕትታት ከምዝሕብሩን ነዚ ድማ እዩ ክፍልና ሰራሕተኛታት ትካልና ካብ ክእለትን ትምህርትን ድሕንነት ሳይበር ብተወሳኺ ንሓለዋን ድሕንነትን ሳይበር ዘለዎም ግንዛበ ብምዕባይ መንቀሊ እቲ ዓውዲ ሳዕቤናቱን መከላኸሊኡን ብዝግባእ ንኽፈልጡ እዩ እዚ ስልጠና ኣዳሊናዮ ዘለናߴߴ ኢሎም።
እዚ ናይ ቀዳማይ ዙር ኣብ ጨንፈራትን ንኡስ ጨንፈራትን ማይጨው፣ ኩሓ፣ መቐለ፣ ዓብይዓዲ፣ ዓዲ ግራት ኣኽሱምን ሽረን ዝተጀመረ ስልጠና ብቐፃልነት በብደረጅኡ ሰራሕተኛ ግንዛበ ዘዕብየሉ ኩነታት ንምፍጣር ከምዝስረሐሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።