ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዓይኒ ዋና ጥራሕ ዘኽፍል ግዝያዊ መስርሕ ተግባራዊ ገይራ

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ቅድሚ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ንዝተለቅሑ ዓማዊል ካብ ግንቦት 26/ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ሒዘምዎ ካብ ዝመፁ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ዓይኒ ዋና ዝኸፍልሉ ኩነታት ኣመዓራርያ ዕላዊ ገይራ ኣላ። እቲ ወለድ ድማ ዓይኒ ዋና ምስተኸፈ ፀኒሑ ዝኽፈልን ዘይቐርን ይኸውን።

ብትካል ደረጃ ተወሲኑ ብምኽትል ዋና ስራሕ ፈፃምን ሓላፊ ክፍሊ ኦፕሬሽንን ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣይተ ሳሙኤል ክፍሎም ንኹለን ዞባዊ ጨንፈራት ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ከምዝገለፅዎ ደደቢት ኣብ ዓማዊላ ዘለዉ ከበድቲ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ክፍሊት ልቓሕ መበረታትዕን ሕድገት ወለድን እናገበረት ከምዝመፀትን ሕዚ ድማ ቕድም ክብል ብዘይካ ሙሉእ ብሙሉእ ውዝፎም ክዓፅዉ ዝኽእሉ ዘምፅእዎ ገንዘብ ከፊሎም ውዝፎም ክቕንሱ ንዝደልዩ ዓማዊል ቀዳምነት ወለድ ቐፂሉ ዓይኒ ዋና ይኽፈል ብምንባሩ “ዘምፃእናዮ ገንዘብ ናብ ወለድ እናተኸፈለ ኣደዳ ወለድ ንኸውን ኣለና” ዝብል ርኢቶ ስለዝነበረ፤ ትካልና ካብ ፀገም ህዝቢ ዝዓቢ ነገር የለን ብዝብል ልባዊ ሓልዮት ዓማዊል ውዝፎም ንምኽፋል ሒዘምዎ ዝመፁ ገንዘብ ቀዳምነት ዓይኒ ዋና ፀኒሑ ክዓ ወለድ ዝኸፍልሉ ኩነታት ብትካል ደረጃ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ።

ደደቢት ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ልዕሊ ብር 2.3 ቢልዮን ዝግመት ሕድገት ወለድ ምግባራ ይዝከር። እዚ ሕድገት ወለድ እዚ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ዝቅፅል ኮይኑ፤ ካብ ብርኪ ክልተ ንላዕሊ ዝተፀንዑ 40% ናይቲ ሒዘምዎ ዝመፁ ሕድገት ወለድ ከምዝግበረሎም ይፍለጥ።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

DECSI: A Base for Bright Future!

About the Author

You may also like these