ኣፀደ ህፃናት ፍቕርን ደደቢትን

ህፃውንቲ እዋን ቁልዕነቶም ብፍቅርን ሰነያን ተቀሪፆም ክዓብዩ ኣለዎም። ኣብ እዋን ቁልዕነት ኣብ ስድረኦም፣ ከባቢኦምን ቤት ትምህርቶምን ምስ መሓዙቶም ፍቅርን ሰነያን እናቀሰሙ እንተዓብዮም ልቢ ህፃውንቲ ከም ብራና ዝሃብካዮም ዝቅበሉ እዩም‘ሞ እዚ መሰረት ገይርካ ምስራሕ ይሓትት።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ብፍቅሪ ዝተሰየመ “ፍቕሪ ኣፀደ ህፃናት” ድማ ምስ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ርኽቢ ብምፍጣር ፍቅርን ባህሊ ዕቋር ህፃውንትን ብዝግባእ ኣርእዮምና። ፍቅሪ ኣፀደ ህፃናት ትማሊ ሰንበት ሓምለ 7፣ 2016 ዓ/ም 106 ህፃናት እንተመርቕ ኩሎም ተመረቕቲ ኣብ ትካልና ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝዓቆሩ እዮም። ኣብ ኣዳራሽ ትካልና ድማ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ምርኢት ማለት እውን መዝሙር፣ ግጥሚ፣ ሳዕስዒት፣ ክእለት ቋንቋን ካልኦትን ዝደመቑ ኮይኖም ንደደቢት ማይክሮፋይናንስ ከመስግኑ ድማ ብፍሉይ ድራማ ሰሪሖምላ እዮም።

ደደቢት ምስ ኣፀደ ህፃናትን ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ብመዳይ ባህሊ ዕቋር ሰገናትን ህፃናትን ዝጀመረቶ ስራሕ ኣጠናኪራ ቀፂላትሉ ኣላ። እዞም ተስፋ ፅባሕ ዝኾኑ ሰገናትን ህፃናትን ኣብ መዓልቲ ምረቐኦም፣ ኣብ ዕለት ታሕጓሶም ንደደቢት ኣዐርዮም ኣሞጊሰምዋ፣ ኣመስጊኖምዋ።

ደደቢት ኣብ ዕቋር ሰገናትን ህፃናትን ፍሉይ ትኩረት ሂባ ብምስረሓ ዛጊድ ከም ትካል 320 ሽሕ ዓቆርቲ ሰገናት ኣለዉዋ። ኣስታት 600 ሚልዮን ብር ድማ ብሽሞም ተዋህሊሉ።

ተምሃሮ ፍቕሪ ኣፀደ ህፃናት “ሻላ ደደቢት ሸጕምና ንቕድሚት” ኢሎም ይደርፉ ኣለዉሞ ንቀበሎም።

ወለዲ መፃኢ ደቅና ብሩህ ንምግባር ሎሚ ኣብ ደደቢት ብሽም ደቅና ንዕቖር።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

DECSI: A Base for Bright Future!

About the Author

You may also like these