“ቆልዓ ብንእሱ፤ ቆርበት ብርሑሱ”

“ቆልዓ ብንእሱ፤

ቆርበት ብርሑሱ” ይብሉ ወለዲ። ትካልና ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ከይበለትን ሰገናትን ህፃናትን ባህሊ ዕቋር ኣማዕቢሎም ንዓርሶም፣ ንወለዶምን ንሃገሮምን ጠቀምቲ ዜጋታት ንኽኾኑ ኣበርቲዓ እንዳሰረሐትሉ ትርከብ።

እዞም ሰገናትን ህፃናትን ድማ ደደቢት ኣዴና ኢሎም ዝረኸብወን ገንዘብ ከባኽንዎ ዘይኮነስ ተስፋ ዓዲ ኮይኖም ዕቋሮም እንዳማዕበሉ ብምምፃእ ኣካለ መጠነ ምስ በፅሑ ኣብ ትምህርቶምን ኣብ ካልኦት ዓይነታት ስራሕን ተዋፊሮም ተረከብቲ ዓዲ ክኾኑ ብምሕሳብ፤ ደደቢት ወላዲኻ እውን ዘይገብረልካ ንመጀመሪ ዕቋር 100 ብር ንኹሉ ዝዓቁር ህፃን ብናይ ባዕላ ወፃኢ ብምጅማር፤ ወለዶምን ባዕሎም ሰገናትን ህፃናትን ዝረኸብዎ ገንዘብ ናብ ዕቋሮም ኣታዊ ክገብሩ ብእትሰርሖ ዘላ ስራሕ ኣብ ባህሊ ዕቋር ሰገናትን ህፃናትን ዓብይ ናይ ግንዛበ ለውጢ መፂኡ እዩ።

ደደቢት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፀደ ህፃናት ይኹን ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክልልና ባህሊ ዕቋር ሰገናትን ህፃናትን ንኽዕንብብ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምልዕዓላት እናሰረሐት ትርከብ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣፀደ ህፃናት ደጀን ኣብ ቀረባ እዋን ሰገናት እንተመርቕ ደደቢት ኣዴና፣ ደደቢት ዓንብብልና፣ ሳላኪ ዓቑርና እናበሉ ዕቋሮም ኣጠናኪሮም ከምዝቕፅሉ ሰፊሕ ራእይ ሰኒቖም ኣብ ታሕጓስ ውዒሎም። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ወነ፣ ታሕጓስን ባህግን እቶም ህፃውንቲ ልብኻ የሀድስ። ህፃውንቲ ምስ መሓዙቶም፣ ወለዲ ብርሃን ደቆም እንትርእዩ፤ ፃንሒት ኣፀደ ህፃናት ዛዚሞም ናብ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰጋገርሉ ክውኑነት ኣብ ገፆም ይንበብ ነይሩ።

እቶም ህፃውንቲ ዘለውዎም ክእለት ሳዕስዒት፣ ግጥሚ፣ ሙዚቃን ካልኦት ፀወታታትን ከቕርቡ ደደቢት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈታ ዝርከብ ኣዳራሽ ነቲ ምድላው ክፍቲ ብምግባር ውዕለኦም ድሙቕ ንክኸውን ወለዶኣዊ ሓላፍነታ ተዋፂኣ።

ወለዲ መፃኢ ደቅና ብሩህ ንምግባር ሎሚ ኣብ ደደቢት ብሽም ደቅና ንዕቖር።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

DECSI: A Base for Bright Future!

About the Author

You may also like these