ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ 2016 ዓ.ም ጥራሕ 12 ሓደሽቲ ጨንፈራት ከፊታ

ትካል ልቓሕን ዕቋርን ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ 2016 ዓ.ም ጥራሕ ሰለጠንን ተበፃሕነትን ግልጋሎት ዓማዊል ንምምሕያሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ 12 ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ጨንፈራትን ክልተ ተንቀሳቐስቲ ንኡስ ጨንፈራትን ማለት እውን ሳትላይት ጨንፈራት ከፊታ ንግልጋሎት ኣብቂዓ።

ደደቢት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተወሰና ጨንፈራት ተሓፂራ ንዓማዊላ ግልጋሎት እናሃበት እዃ እንተመፀት ካብ ተገልገልቲ ሓደሽቲ ጨንፈራት ክፈቱልና ዝብል ሕቶታትን ሓሳባትን ብምድማፅን ከይዲ ስራሕታ ቅልጡፍን ተበፃሕን ንምግባር ኣብ ከተማ መቐለ (ህዳሰ፣ ስምረት፣ ዳግም ኣምሳል፣ ዋልታ፣ ማርያም ኲሓን ቢላልን ዝተብሃላ ጨንፈራት ሓዊሱ ኣብ ቀፅሪ ማረትን ቤት ህንፀት መቐለን ድማ ክልተ ሓደሽቲ ተንቐሳቐስቲ ንኡስ ጨንፈራት ማለት ሳትላይት ጨንፈራትን ከፊታ ኣብ ምግልጋል ትርከብ።

ብዘይካዚ ኣብ ዓዲግራት ወልዋሎ፣ ኣብ ኣክሱም ክንደያ፣ ኣብ ሽረ ዓዲ ከንቲባይ፣ ኣብ ዓብይ ዓዲ ተከዘን ካብ ኣብ መቐለ ትርከብ ቢላል ቀፂላ ንሙስሊም ማሕበረሰብ ተገልግል ነጂሓን ተከፊተን ዓማዊል እንዳገልገላ ይርከባ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ 22 ንእትኽፈት ሓዳሽ ጨንፈር ሓዊሱ፤ ኣብ ሳሪስ ካዲስኮ ህንፃ ትራንስ ኢትዮጵያ ሓዳሽ ጨንፈር ክትከፈት ክኢላ እያ።

እዘን ተኸፊተን ዘለዋ ጨንፈራት ፍሉይ ዝገብረን ካብ ፈለማ ጀሚሩ ብመርበብ ኮር ባንኪንግ ዝተኣሳሰራ ምዃነን እንትኾን፤ ዓማዊል ኣብ ዝደለይዎ ጨንፈር ደደቢት ከይዶም ከም ድልየቶም ገንዘብ ኣታውን ወፃእን ክገብሩን ክሕውሉን የኽእሎም።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

DECSI: A Base for Bright Future!

About the Author

You may also like these