ደደቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጨንፈር ወሲኻ

ኣዲስ ኣበባ፡ ሰነ 29/2016 ዓ.ም ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ሓዱሽ ጨንፈር ሎሚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሳሪስ ካዲስኮ ኣብ ህንፃ ትራንስ ኢትዮጵያ ከፊታ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሰኽቲ ጨናፍራት ምኽፋት ተጠናኺሩ ዝቕፅል ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ 22 ከባቢ ፅገ ሽሮ ከፊታ ንግልጋሎት ክተብቅዕ እያ።

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ሎሚ ኣብ ሳሪስ ካዲስኮ ዝተኸፈተ ጨንፈር ሓዊሱ ሰለስተ ጨናፍራት ኣለውዋ። እተን ክልተ ነባራት ጨናፍራት ኣብ ተኽለሃይማኖት ኢማን ህንፃ ካልኣይ ደብርን መርካቶ እድገት ባንድነት ማእኸል ዕዳጋ ሳልሳይ ደብሪን ዝርከባ ኮይነን ግልጋሎታት ዕቃርን ሓዋላን ንዓማዊል እንዳሃባ ይርከባ።

ሰለስቲአን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ጨናፍራት ብስርዓት ኮር ባንኪንግ ምስናይ ትግራይ ጨናፍራት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝተኣሳሰራ እየን።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

Addis Ababa: Saturday July 06, 2024 DECSI has opened a new additional branch in the city of Addis Ababa. In the near future another new additional branch will be opened at 22 area in front of Tsige Shiro.

Today’s new branch is opened at Saris Cadisco in side the Trans Ethiopia building. All the braches in located in Addis Ababa are core banking system connected.

DECSI: A Base for Bright Future!

About the Author

You may also like these