ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ደደቢት ኣብ ዞባ ምብራቕ

25 ሓምለ 2016ዓም። ጉዕዞና ካብ ከተማ መቐለ ንዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣቢልና ኣለና። ናይ ሎሚ ዘመን ክራማት ፅቡቅ ኣሎ። ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ኣብ ዝነበረና ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ፃንሒት ዝናብ ክራማት ኣይተፈለየናን።

ቀንዲ መበገሲ ጉዕዞና ኣብ ዞባ ምብራቕ ዘሎ ምንቅስቓስ ትካል ዕቋርን ልቓሕን ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ንምድህሳስ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ድምፂ ትግራይ ሒዝና ወፊርና።

ደደቢት ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ቅሉዕ ወራር ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣስታት ኣርባዕተ ቢልዮን ብር ልቓሕ ብምዕዳል ናብራ ሕብረተሰብና ንክልወጥ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣካይዳ።

ይኹንእምበር ደደቢትን ዓማዊላን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው እናሃለዉ እቲ ከቢድ ወራር ተወሊዑ።

ደደቢት እውን ከምቶም ካልኦት ትካላት ክልልና ካብ ዕንወት ዓዲ ኣይወዓለትን። ከባቢ ሸውዓተ ቢለዮን ብር ዕንወት ገጢሙዋ (እቲ ዝበፅሓ ዕንወት ብኮሚሽን መፅናዕቲ ፅንተት ትግራይ ተፀኒዑ ተዋሂብዋ ኣሎ)። ደደቢት ምስ ዓማዊላ ጀሚራቶ ዝነበረት ሃይሃይታ እንካን ሃባን ተቋሪፁ።

ደደቢት ዋላ’ዃ ዓብይ ዝበሃል ፀገም ይግጠማ ህዝባውነታ ኣቐዲማ ካብ ህዝቢ ዝዓቢ የለን ብዝብል ንዓማዊላ ናይ ልቓሕ ምሕረት ወለድን ካልኦት መተባብዕታትን ብምግባር ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብቢልዮናት ዝግመት ብር ዓማዊላ ተለቒሖም ናብረኦም ዝልውጥሉ ኩነታት ፈጢራ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዞባ ምብራቕ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ጥራሕ ን4,244 ተለቃሕቲ 477 ሚልዮን ብር ብልቓሕ ተዋሂቡ። እዚ ልቓሕ ተጠቂሞም ኣብ ከተማ ሕርሻ ማለት እውን ምፍራይ ደርሁ፣ ፀባ ኣላሕም፣ ብሎኬትን ካልኦት ዘፈራት ስራሕን “ደደቢት ኣዴና” እናበሉ እናመስገኑ ናብረኦም ከመሓይሹ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ወራር ናብ ሃይሃይታ ስራሕ ኣትዮም ረኺብናዮም።

ተዘዋዊርና ከምዝረኣናዮ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ልቓሕ ኣብ መናእሰይን ደቒ ኣንስትዮን ፅቡቅ ኩነታት ስራሕ ፈጢርሎም ኣሎ። ካሊእ ይትረፍ ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ብደቒ ተባዕትዮ እምበር ብደቂኣንስትዮ ይስራሕ እዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብ ዝነበረ ዘፈራት ስራሕ ነቲ ኣረኣእያ በቲኸን ብውዳበ ኣብ ምፍራይ ብሎኬት ተዋፊረን ዝነኣድ ስራሕ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ተፈጢረን። ኣብ ከተማ ዓዲግራት ድማ ካብ ገድሊ ተመሊሶም እዚ ዝበሃል መትከሊ እግሪ ዘይነበሮም ካብ ደደቢት ብምልቃሕ ኣብ ሸቀጣ ሸቀጥን ምፍራይ ደርሁን ተዋፊሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ወገናት ተዓዚብና።

ከም ዞባ ምብራቕ ኣብ ዕቋር ህፃውንቲ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ወለዲ ደቆም ቆጣባይ ባህሊ ከኻዕብቱ ምስ ወለዲ፣ መምህራንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲድካ ብዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ዛጊድ 34 ሽሕን 241 ህፃውንቲ ልዕሊ 26 ሚልዮን ብር ኣብ ደደቢት ዓቑሮም መፃኢኦም ከርህዉ ወሲኖም ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ሰለስተ ንኡስ ጨንፈራት ማይክሮፋይናንስ ደደቢት ማለት እውን ዛላንበሳ፣ ሶበያን ኢሮብን ኣብ ትሕቲ ፀላኢ እየን ዝርከባ። በዚ ምኽንያት እቶም ዓማዊል ደደቢት ዝነበሩ ናብ ካልኦት ከባቢታት ዝተመዛበሉ ወገናት እቲ ሲስተም ብኔትወርክ ብምትእስሳር ግልጋሎት ንኽረኽቡ ብዝተሰረሐ ስራሕ ኣብዚ ዓመት እዚ 29 ሚልዮን ብር ክዓቑሩ ክኢሎም። እቲ ዝገርም ነገር እቶም ወገናት ሕዚ ኣብ ምምዝባል ኮይኖም እውን እንተኾነ 7 ሚልዮን ብር ልቓሕ ክምልሱ ክኢሎም።

ብሓፈሻ ኣብ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ጨንፈር ዞባ ምብራቕ ካብ ደደቢት ተለቒሖም ዝሐሸ ስራሕ ዝሰርሑ ወገናት እናተፈጠሩ እዮም። ደደቢት ህዝባዊትን ኣደ ዝተፀገሙ ወገናትን ከምዝኾነት ብተግባር እናረጋገፀት ትርከብ። እዚ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ህዝብና ኣብ ጨንፈራት ደደቢት ክዓቁር ኣለዎ። እቲ ዝዕቆር ዕቋር ተመሊሱ ንዓርሱ ወይ ንወገኑ ብልቓሕ መልክዕ ዝወስዶ ምዃኑ ኣሚኑ ብዕላማ ክዓቁር እንትክእል እዩ።

ደደቢት፡ ሰረት ብሩህ መፃኢ!

About the Author

You may also like these