ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ሎሚ መበል 206 ጨንፈር ከፊቱ

መቐለ፡ 18 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ሎማዓንቲ ኣብ ከተማ መቐለን ሮማናትን ክልተ ጨናፍር ኣመሪቑ ንግልጋሎት ኣብቂዑ።

እዘን ጨናፍራት ኣብ ላጪ ጥቓ ሓዱሽ መናሃርያን ዕሸል ከተማ ሮማናትን እንትኽፈታ፤ ኣብቲ ከባቢታት ንዝርከብ ማሕበረ ሰብ ግልጋሎት ዕቃርን ልቓሕን ንምቕራብ ብምዕላም እዩ።

ተሳታፊ እቲ ስነ ስርዓት ኣይተ መብራህተን ታደለ ነባራይ ላዕላይ ላጪ 2’500 ቅርሺ ካብ ደደቢት ተለቂሖም ስራሕ ጀሚሮም። ደሓር ፍርቂ ሚልዮን (500’000 ቅርሺ) ተለቂሖም ዝመለሱ እሙን ዓሚል ደደቢት ኮይኖም ቀፂሎም። ኣይተ መብራህተን ሎሚ ሰለስተ ትካላት ንግዲ ወኒኖም ኣብ ምስራሕ ምህላዎም ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተ ሰብን ኣካላት ምምሕዳርን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ደደቢት ኣብ ቀረበኦም ጨንፈር ምኽፋቱ ከም ዘሐጎሶም ገሊፆም።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

About the Author

You may also like these