ደደቢት ኣብዚ ሰዓት እዚ ብስራሕቲ ፋይናንስ ዝሐሸ ስራሕ ንምስራሕ ካብ ዝገብርዋ ሓደ ጉዳይ ቴክኖለጂ እዩ። ካብ ዝነበረቶ ስራሕቲ ማንዋል (ናይ ወረቐት ስራሕ) ተናጊፋ ጨንፈራታ ብኔትዎርክ ኣተኣሳሲራ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓማዊላ ተራኽበሉ ዕድል ምፍጣር የድልያ። ደደቢት ጨንፈራታ ብኔትዎርክ ምትእስሳር ካብ ትጅምር ነዊሕ ግዘ ዝገበረት እንትኾን፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዞባ ጨንፈራት ዝርከባ 45 ጨንፈራት ዝነበረን ናይ ዓማዊል ነባር ዳታ ናብ ዋና ኮር ባንኪንግ ሲስተም ክኣትዋ ክኢለን እየን።
እዘን ጨንፈራት ናብ ሲስተም ኣብ ምእታው ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት ብዙሓት ፈተንቲ ኩነታት ኣሕሊፎም። ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ደኺሙኒ ሰልችዩኒ ከይበሉ ናብራ ስድረኦም ከየሰሰዖም ኣብቲ ስራሕ ተፀሚዶም ቀንዮም። ስራሕቶም ድማ ብዓወት ዛዚሞም። ነዚ እውን ኣብ እዋኑ ብዋና ስራሕ ፈፃሚ ምስጋና ቀሪቡሎም እዩ።
እዞም ኣብ ወጥሪ ስራሕ ተፀሚዶም ዝነበሩ ኣስታት 30 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዋና ቢሮ ካብ ጉጅለ ኮርባንኪንግን ሲስተም፣ ቢዝነስ፣ ኤም ኣይ ኤስ፣ ኔትዎርክ፣ ዳታን ገናሕቲ መኪናን ብሰናይ ተበግሶ ኣመራርሓ ትካል ካብ ሕዳር 20 ክሳብ 22∕ 2017ዓ.ም ኣብ ኣክሱም ፅዮን ማርያምን ከባቢኡን ከይዶም ቤተክርስትያን ዝሳለምሉን ኣእምሮኦም ዘሐድስሉን ዕድል ተመቻችዩሎም። ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ፃንሒትና ብጣዕሚ ፅቡቅ ግዜ ኣሕሊፍና።
ካብ ልተፈላለዩ ክልላት ሃገርናን ዓለምን ብጣዕሚ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ኣማኒ ኣብ ዝተረኸበሉ ክብረ በዓል ተረኪብና ተሳሊምና። እቲ ኣዝዩ ልገረመኒ ኣብዚ ብዙሕ ጋሻ ኣብ ልተረኸበሉ ከተማ ኣክሱም ምንም ዓይነት ናይ ፀጥታ ፀገም ኣይገጠመን። እዚ ዝኣክል ጋሻ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን ኣብ ሕብረተሰብ ኣፍቲ ከተማን ብመዳይ ፀጥታ ፀገማት ከይፍጠሩ ልተሰረሐ ስራሕ ዘገርም እዩ። ተጠናኪሩ ድማ ክቅፅል ይግባእ።
ኣክሱም ፅዮን ተረኺብና ካብ ምስላምን ፀሎት ምብፃሕን ብተወሳኪ ኣብ ከባቢ ዓድዋ ዝርከብ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ድማ ተዘዋዊርና ታሪኽን ገድልን ኣቦና ኣቡነ ገሪማ ሰሚዕና። መቓብር ኣፍሪካዊ ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ እውን ኣብዚ ገዳም ረኺብናዮ። ኣብ ትግራይና ብዙሓት ታሪኻውን ሃይማኖታውን ቦታታት እዃ እንተሃለዉ ታሪኽና ንምፍላጥ ንገብሮ ምንቅስቓስ ኣዝዩ ልተሓተ እዩ። ኣብቲ ገዳም ኣቲና ታሪዃውነቱን ገዳማዊ ትሕዝትኡን ምስረኣና ነቲ ኣብ ታሪኽና ዘይምዕቓብ ለለና ፀገም ኣረጋጊፅናዮ።
እዞም ንዑደት ሒዝናዮም ልተንቀሳቐስና ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ጥራሕ ኣይኮኑን ወናማት። ኣብ ጉዕዞና ሰሓቆም፣ ፍቅሮም፣ ሓድነቶምን ምትሕልላዮምን ኣዝዩ ይምስጠካ። ከም እኒ ዓምዶም ፍሰሃ ልኣመሰሉ ወናማት፤ ደርፊ፣ ቀልድን ሳዕሲዕትን ተሓንጊጦም ድምቀት እቲ ጉዕዞ ነይሮም።
ብሓፈሻ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ልነበረና ፃንሒት ብዙሓት ለምህሩን ለሀድሱን መንፈስካ ዘለዓዕሉን ኩነታት ተዓዚብና። መተሓባበርትን ክኢላታትን ዞናል ዓብይ ዓዲን ኣኽሱምን ኣብ ከይዲ መንገድና ከይጠምየና፣ ከይፀምአናን መፅለሊ ከይንስእንን ዝገበርዎ ምትሕብባር ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ብስምናን ብስም ትካልናን ድማ ኣመስጊንናዮም። ኣብቶም ሰራሕተኛታት ዝረኣኽዎ ወነ፣ ፍቅሪ፣ ሓድነት፣ ናይ ገናሒ መኪና (ንጉሰ በርሀ) ክእለት፣ ትዕግስቲ፣ ጥንቃቐ መንገዲ ብዋናነት ድማ ኣመራርሓ ትካል ነቶም ፅቡቅ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ”ፅቡቅ ንዝሰረሐ ፅቡቅ ግበረሉ“ እዩ‘ሞ ዝህደስሉ ኩነታት ስለ ዘዋደዱ ዘለኒ ናእዳ ዝለዓለ እዩ።
“ንዓመታ ኸ ትመፁ ዲኹም? እወ ንመፅእ ኢና። ብሓጎስ የፅነሐና” እናበልና ኣብ ኣክሱምን ከባቢኣን ዝነበረና ፃንሒት ዛዚምና፤ ሕዳር 22/ 2017ዓ.ም ናብ ሕንብርቲ ትግራይና መቐለ ኣማሲና ብሰላም ተመሊስና።
ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!