600 ሓደሽቲ ዓቖርቲ ኣብ ማዓልቲ፤

ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ

ጨንፈር ሞኾኒ ካሊእ መርኣያ

መቐለ፡ 05 ሕዳር 2017 ዓ.ም ትማሊ ቀትሪ ዘይመዝገብኩዋ ስልኪ ናብ ሞባይለይ ደዊላ። ሓበሬታ ትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝደሊ ሰብ ምዃኑ ገሚተ ሃሎ፤ ኢለ ተቐቢለዮ። (ሎሚ ሎሚ ከምዚኦም ዝበሉ ሓበሬታ ትካልን እዋናዊ ግልጋሎታቱን ዝደልዩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብፍላይ ካብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዳርጋ መዓልታዊ ይድወሉለይ እዮም። ሓበሬታ ምስተለዋወጥናን ኣጋይሽ ምዃኖም ምስ ኣረጋገፅኩን እዚ ስልኪ ድኣ መን ሂብኩም? ኢለ እሓቶም እየ ንስራሕ ስለ ዝጠቕመኒ። ናይ ኩሎም መልሲ ኣብ ናይ ትካልኩም መርበብ ሓበሬታ – https://decsimfi.com/ – ኢና ረኺብናዮ ዝብል እዩ።)

ትማሊ ዝተደወለለይ ስልኪ ግን ካብ ዓሚል ኣይኮነን። ካብ ሰራሕተኛ ትካልና ኣካያዲ ሰራሕ ጨንፈር ሞኾኒ ኣይተ ፀጋይ እዩ። ምስ ዓቖርቲ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ለምለም ባሮ (ቁፅሪ 1ን 2ን) ምድላው ኣለናሞ ኣብ ቀረፃ እንታይ ትሕግዙና? ኢሉኒ። ሕዚስ ግዘ የለን ኣይንበፅሐልኩምንሞ፤ ብዝኸኣልኩሞ መዳይ ወድኡ ኢለዮ። ብዙይ ተሰማሚዕና።

ትማሊ ኣማስዩ ብዛዕባ ውዕልኦም ብስእልን መረዳእታን ኣደጊፉ ሓበሬታ ልኢኹለይ። ዝለኣኸለይ ሓበሬታ ድማ 600 ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ለምለም ባሮ (400 ካብ ቁፅሪ 1፣ 200 ክዓ ካብ ቁፅሪ 2) ብሓደሻብ ከም ዝዓቖሩ ነጊሩኒ። እዚ ናይ ትማሊ ጥራሕ እዩ እምበር እቲ ምብርባርን ምዕቛርን ቀፃሊ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ጨንፈር ሞኾኒ 1,850 (1,110 ደቂ ኣንስትዮን 740 ደቂ ተባዕትዮን) ዓቖርቲ ህፃውንቲ ኣለዉ። ብዚ ምኽንያት ኢና ደደቢት ናይ ህፃውንቲ እውን እያ እንብል። ምስ ደደቢት ሕዚ እውን ንቕድሚት።

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!

About the Author

You may also like these