ሰራሕተኛታት ደደቢት ጨንፈር ሞኾኒ ንኣሕዋት ተምሃሮ ደቂ ስውእ ሓጊዞም

መቐለ፡ 16 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዕቋር ትሕቲ ዕድመ ዝረባረቡ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ጨንፈር ሞኾኒ ብዓርሰ ተበግሰኦም ንተምሃሮ ደቂ ስውእ ተጋዳላይ ዝናቡ ገሰሰ ሓጊዞም።

ካብ ጎንደር ምስ ወለዶም ተፈናቒሎም ዝመፁ ኣሕዋት ተምሃሮ ቴድሮስ ዝናቡን ፊያሜታ ዝናቡን፤ ኣቦኣቶም ምእንተ ህላዌና ተቓሊሱ ክቡር መስዋአቲ ዝሸፈለ ጅግና ተጋዳላይ እዩ። እዞም ኣብ ቤት ትምህርቲ ለምለም ባሮ ቁፅሪ 2 ብዘይ ክዳን ተምሃሮ (ዲቢዛ) ክመሃሩ ዝፀንሑ ክልተ ኣሕዋት ሎሚ ብልግሲ ሰራሕተኛታት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ምሉእ ክዳን ተምሃሮ ተዓዲጉሎም ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ይርከቡ።

ኣብ ፀገም እትርከብ ወላዲት እዞም ተምሃሮ ወ/ሮ ማህሌት ሙሉ፤ ብእቶም ሰራሕተኛታት ደደቢት ጨንፈር ሞኾኒ ንደቃ ዝተገበረላ ሓገዝ ደቃ ከም ሃገሮም ክዳን ተምሃሮ ተኸዲኖም ትምህርቶም ምክትታል ምኽኣሎም ታሕጓስ ከም ዝፈጠረላ ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪባ።

ርእሰ መምህር ለምለም ባሮ ቁፅሪ 2 መ/ር ገብረፃዲቕ ሃፍቱ ብወገኑ ደደቢት ህፃውንቲ መፃኢኦም ንምርሃው ዝገብሮ ዘሎ ፃዕርታት ኣድኒቑ።

ቅድሚ ወርሒ ኩልና ሰራሕተኛታት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ናይ ወርሒ መሃያና 15% ብምውፋይ 2.5 ሚልዮን ቅርሺ ንህፁፅ ምላሽ ትግራይ ምብርካትና እውን ይዝከር።

“ንድኻ ዝሓሊ ሰብ ብፅእ እዩ፤ ኣብ መዓልቲ መከራ ክኣ ፈጣሪ ከናግፎ እዩ።” ከም ዝበሃል እዩሞ ብዝኸኣልናዮ ንፅጉማት ወገናትና ንብፀሐሎም።

ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!

About the Author

You may also like these