መቐለ፡ 04 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ሓረስታይ ትግራይ ቀረብ ፋይናንስ ረኺቡ ናብርኡ ዝቕይረሉ ዕድል ምፍጣር ምዃኑ ዝኣምን ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ምስ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ (SNV) ሓበራዊ ስምምዕነት ብምኽታም ኣብ ዙርያ ኣሕምልትን ፍረምረን ንዝነጥፉ ሓረስቶት ትግራይ ቀረብ ልቓሕ ክረኽቡ ንዝገበሮ ንኡድ ተግባር 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ካብ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ሰለስተ ሞተር ሳይክላት ተበርኪትሉ።
ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ኣብ ኣሕምልትን ፍረምረን ዝነጥፉ ገባራት ትግራይ ካብ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ልዕሊ 35 ሚልዮን ብር ልቓሕ ክወሃቡሞ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ድማ ኣድለይቲ ስልጠናታት ክህብ ብዝተገበረ ስምምዕ ትካልና ን345 ሓረስቶት ተጠቀምቲ እዚ ዕድል ብምግባር ኣብ ስራሕቶም ዓወት ከመዝግቡ ክኢሎም እዮም።
ኣብ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት Horti life ዝኾኑ ኣይተ ተስፋይ ሓጎስ ኣብ ቀፅሪ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ተረኺቦም ነተን ሞተር ሳይክላት ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ዘረከቡ እንትኾኑ “ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ማእገር ሓረስታይ ብምዃን ብፍላይ ኣብ ኣሕምልትን ፍረምረን ንዝነጥፉ ገባራት ቀረብ ልቓሕ ከይስእኑ ዝለዓለ ኣበርክቶ ብምግባር እቲ ሒዝናዮ ዝነበርና ፕሮጀክት ክዕወት ልዑል ፃዕሪ ገይሩ እዩ። ብቀፃልነት ድማ ትካልና ካብዚ ዝበለፁ ስራሕቲ ምስ ትካልኩም ሓቢርና ንምስራሕ ድልው እዩ“ ኢሎም።
እተን ብሽልማት ዝተበርከታ ሰለስተ ሞተር ሳይክላት ቀረብ ኣሕምልትን ፍረምረን ንምድንፋዕ ብትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ ንዝተተሓዘ መደብ Horti life ኣብ ክዕወት ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝነበረን ጨንፈራት ደደቢት #ራማ፣ #ድድባን ገጠር #ሞኾንን እየን ተዋሂበን።
ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድ ንዘርኣዮ ተበግሶ ብምንኣድ ቀፃሊ እውን ሓቢሩ ንምስራሕ ድለውነቱ ይገልፅ።
ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!