

ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ሓረስታይ ኣብ ሕርሻ መካናይዜሽን ንምሕቋፍ ዓሊማ መስርሕ መደበኛ ልቓሕ ኣብ ምትግባር ትርከብ። ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ዋርግባ፣ ኣብ ራያ ጨርጨር ጣብያ ሓደ ኣልጋን ኣብ እንዳ መኾኒ ጣብያ ስምረትን ዘድሊ ልቓሕ ብምምዳብ ኣብ መጀመርያ ምዕራፍ 3 ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ መስኖ ተዃዒቶም።
ሓንቲ ጉድጓድ ብማእኸላይ ን30 ሄክታር (120 ፅማድ) ክተልምዕ ተሓሲቡ ዝነበረ እንትኸውን፤ ብዝተገበረለን ፈተነ ግን ነብሲ ወከፈን ክሳብ 50 ሄክታር (200 ፅማድ) ብመስኖ ከልምዓ ዝኽእላ እየን።
እዚ ብናይ ደደቢት ቆራፅ ውሳነ ዝተጀመረ ሓረስታይ ናብ ሕርሻ መካናይዜሽን ናይ ምሕቛፎ ስራሕ ከም ማረትን ትካል ምግቢ ዓለምን (WFP) ዝበሉ ትካላት ተሓዊሶሞ ኣብ ፅቡቕ ዕማም ይርከብ። ከም ውፅኢቱ ድማ ደደቢት ብዘመቻቸዎ ልቓሕ ተወሰኽቲ 4 ንልምዓት መስኖ ዝኾና ጎዳጉዲ ኣብ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ማቻረ ተዃዒተን ኣለዋ።
እዚአን እውን ብተመሳሳሊ ሓንቲ ጉድጓድ ብማእኸላይ ን30 ሄክታር መሬት ክተልምዕ ተሓሲቡ እኳ እንተነበረ፤ ሕዚ ብዝተገበረለን ፈተነ ነብሲ ወከፈን ካብ 60-70 ሄክታር (240-280 ፅማድ) ብመስኖ ከልምዓ ዝኽእላን ገሊአን 221 ሜትሮ ጥልቀት ዝተኾዓታን እየን።
ንዘን 7 ጎዳጉዲ መስኖ ንምኹዓትን ንካልኦት ተወሰኽቲ ጠለባትን፤ ደደቢት ከም ትካል ልዕሊ 147 ሚልዮን ቅርሺ ልቓሕ ኣመቻችዩ እዩ።
ኣብ ደደቢት ንዕቖር፤ ካብ ደደቢት ተለቂሕና ንስራሕ።
ደደቢት: ሰረት ብሩህ መፃኢ!