ብደደቢት ትካል ዕቋርን ልቃሕን ኣ/ማ ንህንፀት ኣባይቲ 70 ካሬ ዝተወሃበ ልቃሕ፣እታ ትካል ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ንሕብረተሰብ ካብ ዘበርከተቶ ግደ ኣብ ቅድሚት ዝፅራሕ ምዃኑ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለጸ ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቃሕን ኣብ ከተማ መቐለ 70 ካሬ መበል 27 ጨንፈር ብምኽፋት ሎሚ ዕላዊ ስራሕ ምጅማሩ ኣብ ዝተገለፀሉ እዩ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቃሕን ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ፣እታ ትካል ንነበርቲ 70 ካሬ ልቃሕ ብምሃብ ኣብ ህንፀት ኣባይቲ 70 ካሬ ኣሰር ከምዘንበረት ገሊጾም።

ኣይተ ሙሉጌታ፣ዝወሰድዎ ልቃሕ ከፊሎም ዝወድኡ ከምዘለው ዝገለጹ እንትኾን ፤ ይኸፍሉ ዘለው እውን ብቐጻልነት ልቕሖሞ ክኸፍሉ ፀዊዖም።

ምክትል ዋና ፈጻሚ ስራሕን ሓላፊ ክፍሊ ኦፕሬሽንን ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቃሕን ኣይተ ሳሚኤል ክፍሎም ፣እታ ትካል ንህንፀት ኣባይቲ 70 ካሬ ዝተወሃበ ልቃሕ፤ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ንሕብረተሰብ ካብ ዝተገበረ ኣበርክቶ ኣብ ቅድሚት ዝፅራሕ ምዃኑ ገሊጾም።

መተሓባባሪ ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቃሕን ዞባ መቐለ ኣይተ ዳንኤል ስዮም፤ ኣብ ከተማ መቐለ 3 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ልቃሕ ዝወሰዱ ኣስታት 24 ሽሕ ተለቃሕቲ ከምዘለው ገሊጾም።

ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ከተማ መቐለ ኣስታት 1 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ልቃሕ ከምዝተወሃበ እውን ገሊጾም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብወገኖም ፤ ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቃሕን ኣ/ማ ልቃሕ ኣብ ምምላስ ዘሎ ክፍተት ብትዕግስቲ ከምዝተጸበየትን ሕድገት ወለድ ብምግባር ህዝባዊ ሓላፍነታ ከምዝተዋጸኣት ተዛሪቦም።

እቶም ነበርቲ ኣብ ቀጻሊ እውን ካብታ ትካል ዝወሰድዎ ልቃሕ ኣብ ምምላስን ምዕቋርን ከምዝቅጽልሉ ኣመላኺቶም።

ኣብ ከተማ መቐለ 70 ካሬ ዝተኸፈተ ጨንፈር ሚዘር ግልጋሎት ኦንላይን ዝህብ ምዃኑ ዝተገለጸ እንትኸውን፤ ደደቢት ትካል ዕቋርን ልቃሕን ኣ/ማ ብብርኪ ትግራይ 211 ጨናፍር ብምኽፋት ግልጋሎት ዕቋርን ልቋሕን ብምሃብ ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቅራፍ ግቡኣ ትፍጽም ከምዘላ ተገሊጹ።

About the Author

You may also like these