

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ራያ ቐኒና። ፀሓይ ፆም ኣርበዓ ንቡር እዩ‘ሞ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ክልልና ዋዒ ኩነታት ኣየር እዃ እንተፈጠረ ጎላጉልን ሜዳን ራያ ግና ደመና ብዝሓዘለ ኩነታት ኣየር ማዕሪጉ ብዕራይ ተጠቒምካ ዝሳለጥ ዝተለመደ ባህላዊ ማሕረስን ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ብዝረኣያ ትራክተራትን እናተሓረሰን እናተለሳለሰን ረኺብናዮ። ኣብ ከባቢታት መቻረን ጨርጨርን ዘሎ ሰፊሕ ጎልጎል ተሓራሲ መሬት ንዓይንኻ ይመልእ። ትግራይና ከምዚ ዓይነት ሃፍተ ገነት ሒዛ ከይተጠቀመትሉ ንምንታይ ንድሕሪት ከምዝተጎተት ይገርም። ዓዲ ሃገር ብብዕራይ ምሕራስ ገዲፎም ብትራክተር ምሕራስ ከም ባህሊ ኣብ ዝጀመርሉ ኩነታት ንሕና ሰኣን መስኖ ብብዕራይ እውን ጋዶ ኮይኑና።
ናብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተንቀሳቐስናሉ ምኽንያት እታ ማእገር ህዝቢ ዝኾነት ህዝባዊት ትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ብዝወሰነቶ ታሪኻዊ ውሳነ ገባራት ተወዲቦም ጎዳጉዲ ማይ ኹዒቶም ብመስኖ ዝርብሕሉ ኩነታት ንምፍጣር ትሰርሖም ዘላ ስራሕቲ ንምዕዛብን ኣብቲ ከባቢ ዓማዊል ኣብ ቀረበኦም ጨንፈር ረኺቦም ስራሕቲ ዕቋርን ልቓሕን ከጠናኽሩ ዝሕግዙ ጨንፈራት ንምኽፋትን እዩ።
ደደቢት ናይ ህዝቢ እያ እንትበሃል ብተግባር ዝረጋገፅ ሓቂ ስለዝኾነ እዩ። ደደቢት ኣብ ከተማታት ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተዋፊሮም መነባብረኦም ዝልውጡ ክፋል ማሕበረሰብ ካብ ምፍጣር ብዝዘለለ ብፍሉይ ውሳነ ማንም ትካል ፋይናንስ ዘይደፍሮ ኣብ ታሕተዋይን ማእኸላይን ደረጃ እቶት ዘለዉ ክፋል ሕብረተሰብ ወነንቲ ገዛ 70 ካሬ ክኾኑ ብዝወሰነቶ ታሪኻዊ ውሳነ ብኣሸሓት ዝቁፀሩ ወገናት ተጠቀምቲ መንበሪ ኣባይቲ ክኾኑ ክኢሎም እዮም።
ኣብ ከባቢታት ገጠር ድማ ሕብረተሰብና ናብርኡ ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ፍሉይ ትኩረት ገይራ እናሰረሐት ትርከብ። እዚ ኣብ ከባቢታት ራያ ተዘዋዊርና ዝተዓዘብናዮ ስራሕቲ ድማ ኣካል እዚ ምንቅስቓስ እዩ።
ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ዋርግባ፣ ኣብ ራያ ጨርጨር ጣብያ ሓደ ኣልጋ፣ ኣብ እንዳ ሞኾኒ ጣብያ ስምረትን 147 ሚልዮን ብር ቀረብ ልቓሕ ብምድላው ኣብ መጀመርያ ምዕራፍ 3 ዓሞቅቲ ጎዳጉዲ መስኖ ተዃዒቶም ሓንቲ ጉድጓድ ማይ ብማእኸላይ ን30 ሄክታር (120 ፅማድ) ክተልምዕ ተሓሲቡ ዝነበረ እንትኸውን ብዝተገበረለን ፈተነ ግና ነብሲ ወከፈን ክሳብ 50 ሄክታር (200 ፅማድ) ብመስኖ ከልመዓ ዝኽእላ እየን። ተወሰኽቲ 4 ንልምዓት መስኖ ዝኾና ጎዳጉዲ ኣብ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ማቻረ ተዃዒተን እየን ቀረብ መብራህቲ ይፅበያ ኣለዋ።
ደደቢት ኣፍቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ዕላማ ዝሓትት ውሳነ ወሲና ቀረብ ልቓሕ ኣብ ሕርሻ ንዝነጥፉ ገባራት ብምድላዋ ውሑዳት ገባራት ብጉጅለ ኮይኖም ንምስራሕ ዘርእይዎ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ሕዚ ብዙሓት ኣሰር እናሰዓቡ ክሰርሑ ኣብ ዓብዪ ድሌት ይርከቡ።
ከባቢታት መቻረን ጨርጨርን ድማ ስደት መናእሰይ ብስፍሓት ዝረኣየለን ከባቢታት እንትኾና ሕዚ እዚ ተፀይፎም መስኖ ተጠቒሞም ዘለዎም ድንግል መሬት ከልምዑ ዓብይ መንፈሳዊ ቅንኢ ፈጢርሎም እዩ።
ደደቢት ከምዚ ዓይነት ውሳነ ብምውሳና ሰኣን ማይ ከይተሓረሰን ከይተለሳለሰን ዝፀነሐ ልዓይንኻ ዝማርኽ ጎልጎል ማቻረ እቲ ስራሕቲ መስኖ ናይ መብራህትን ፓምፕን ስራሕቲ እናተረፎ በቲ ንፈተነ ዝወፀ ማይ ክሕረስን ክዝራእን እውን ተዓዚብና።
ዞባ ደቡብ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ዓሚል ሰኣን ኣብ ቀረብኡ ግልጋሎት ዕቋርን ልቓሕን ዘሳልጠሉ ጨንፈራት ምህላው ንብዙሕ ውፃእ ውረድ ይሳጣሕ ዘሎ ምዃኑ ዝረኣየት ደደቢት ኣብ ከተማታት ማቻረን ሽንኮማዮን ሓደሽቲ ጨንፈር ከፊታ። ቅድሚ ሕዚ ንግልጋሎት ኢሎም ነዊሕ ርሕቀት ይጎዓዙ ዝነበሩ፣ ንዝተፈላለዩ ወፃእታት ይቃልዑ ዝነበሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሕዚ ኣብ ቀረበኦም ግልጋሎት ክረኽቡ ክኢሎም። ኣብ ከተማ ሞኾኒ ድማ ንዞባ ደቡብ ንፈለማ እዋን ብትካል ደረጃ ድማ መበል ራብዓይ ብሕጊ ሸሪዓ ዝምራሕ ንሙስሊም ማሕበረሰብ ዘገልግል ኣና ዝበሃል ጨንፈር ተኸፊቱ ንግልጋሎት በቒዑ።
ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝነበረና ፃንሒት ኣዝዩ ሰሓባይ ነይሩ። ራየቶት ንደደቢት ብጣዕሚ እዮም ዘመስግንዋ። ማእገርና፣ እነና እናበሉ ገሊፀምዋ። ኣፍተን ሓደሽቲ ዝተኸፈታ ጨንፈራት ዘለዉ ነበርቲ ምኽፋት እተን ጨንፈራት ትፅቢቶም ስለዝነበረ እንዃዕ ዳሕና መፃእኺ ኢሎምዋ። እቶም ብልቓሕ ደደቢት ዃዕቲ መስኖ ዝተሳለጠሎም ገባራት ብታሕጓስን ፍሽኽታን ንደደቢት ኣልዒሎም ኣይፀግብዋን። ደደቢት ትዓንብብ፣ ደደቢት ትዘምን ኢሎም መፃኢ ጉዕዞ ደደቢት ብሩህ ከምዝኸውን ገሊፆምልና።
ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!