ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ኣብ 5 ከተማታት ትግራይ መንበሪ ኣባይቲ ንምስራሕ ሓባራዊ ሰነድ ስምምዕ ተኸቲሙ።

ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ምስ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ኣብ 5 ከተማታት ትግራይ መቐለ፡ሽረ፡ኣክሱም፡ዓድግራትን ዉቕሮን መንበሪ ኣባይቲ ንምስራሕ ሓባራዊ ሰነድ ስምምዕ ተፈራሪሞም።

ፈፃሚ ስራሕ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ትካሎም ብመዳይ ምዕቛር ዉሕስና ኣባላት ማሕበራት ምስ ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሕ ገሊፆም’ለው ከምፀብፃብ ኤመሓት።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ኣይተ ቴድሮስ ጌታቸው ብወገኖም ኣብ 1ይ ዙር ኣብ ከተማ መቐለ 5664 ወገናት ተጠቀምቲ ዕድል ከምዝኾኑን ካብ 40 ክሳብ120 ካሬ ብዝመረፅዎ ኣብ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት 20 ሚእታዊ ዝዓቕሩ ኾይኖም ን40 ካሬ 95 ሽሕ ብር ፡ንበዓል 70 ካሬ 166 ሽሕን 259 ብር ፣ንበዓል 90 ካሬ 213 ሽሕን 750 ብር፡ንበዓል 120 ካሬ ድማ 285 ሽሕ ብር ቕድመ ክፍሊት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ዕድል ኣብ 1ይ ዙር ምዝገባ መንበሪ ገዛ ንዘይብሎም ቐዳምነት ዝወሃብ ኮይኑ መለለይ መንነት፡ዘለዎምን ኩነታት ሓዳር ከቕርቡ ዝኽእሉን ኮይኖም ካብ 3 ሰነ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 18 መዓልታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 15 ን ዋና ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢትን ምዝገባ ከምዝካየድ ኣይተ ቴድሮስ ጌታቸው ገሊፆም።

እቲ ሎሚ ዓመት ዝጅመር ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ምስ ቅድሚ ሐዚ ብመንግስቲ ዝተወደባ ማሕበራት 3ይ ዙር መንበሪ ኣባይቲ ዘተሓሕዝ ከምዘብሉ ዉን ተሓቢሩ።ፍልፍል ሚድያ( ኤፍ ኤም መቐለ)

About the Author

You may also like these