ኣብ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ግልጋሎት ልቓሕ ንምርካብ ዝመፁ ዓማዊል እዞም ዝስዕቡ ረቛሕታት ከማልኡ ኣለዎም፦

ልዕሊ18 ዓመት ንዝኾኑ።

2. ዝለዓለ ዕድመ 65 ዓመት።

3. ዝተሓደሰ ናይ መንነት መለለይ ካርዲ ዘለዎ።

4. ዝኾነ ይኹን ፀገም ስነ-ምግባርን ኣእምሮን ዘይብሎም።

5. ናይ ምስራሕ ድልየት ዘለዎም።

6. ናይ ተለቃሓይ ትካል ዘለዎ ባህሪ፣ ካፒታል፣ ዋሕስ፣ ኣዋፃኣይነት ዓውደ ስራሕ፣ ልቓሕ ናይ ምክፋል ዓቅሚ ይረአይ።

7. ተለቓሓይ ዝዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ስሩዕ ወይ ዘይስሩዕ ንግዲ ትካል ኮይኑ ሕጋዊ ክኸውን ኣለዎ።

8. ረቛሕታት ዘማልኣ ንደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት ይወሃበን።

9. ገንዘብ ወሲዶም ክንቀሳቀሱ ዝደልዩ፣ ስረሖም ኣዋፃኣይን ጠለብ ዕዳጋ ዘለዎን ክኸውን ይግባእ።

ኣብ ደደቢት ይዕቆሩ፣ ካብ ደደቢት ይለቕሑ።

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢⵑ

About the Author

You may also like these