ዝቐፀለ ድጋፍ መሪሕነት ወፍሪ ምኽፍት ዕቛር ሒሳብን ምዝገባን adopay

መቐለ 27 ነሓሰ 2018ዓ/ም |:| ደደቢት ማይክሮፋይናንስ መላእ ሕብረተሰብ ኣካል ስርዓተ-ፋይናንስ ማይክሮፋይናንስ ደደቢት (DECSI Financial Ecosystem) ኣብ ምግባር ሓጋዚ ግደ ዘለዎ “ወፍሪ ምኽፋት ናይ ዕቛር ሒሳብን ምዝገባን adopay” ካብ ዕለት 15 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ክሳብ ጥቅምቲ 30 2019 ዓ.ም. ከም ትካል ዕላዊ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

ዛጊድ እቲ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ዝርከብ እንትኾን፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ናይ መላእ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ትካል ማይክሮፋይናንስ መደብ ምኻኑ ናይ ዋና ቢሮና ጠቕላላ ኣመራርሓ ደጊሞም ድጋፎም ኣረጋጊፆም ኣለው።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካልና ኣቶ ሙሉጌታ ብርሃነ ኣብ ዝተረኸብሉ ኩሎም ሓለፍቲ ክፍልታት ስራሕ ነቲ ወፍሪ ብናይ ሓባር መንፈስ ክስራሕ ከም ዝግባእን፣ ነዚ ንምትግባር እውን ኩሉ ሰራሕተኛ ትካልና ኣብ በቢኻበቢኡን ዝተዋፈረሉ ዓውድን ኣወንታዊ ፅልዋ ክፈጥር ዘኽእል ናይ መሪሕነት ድጋፎም ከምዘዕርፍሉ ብተወሳኺ ቃል ኣትዮም እዮም።

ብፍላይ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ኽፍሊ ኦፕሬሽንን ኣይተ ሳሙኤል ክፍሎም እውን እዚ ወፍሪ ነቶም ክሳብ ሐዚ እናተግባርናዮም ዝመፃእና ስራሕቲ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ብምኻኑ፣ ኩሉ ኣመራርሓ ኣካል ክሳብ በቢ ብርኩ ዘለው ሰራሕተኛታት ኣካል እቲ ወፍሪ ብምዃንን ዓማዊልና ብልዑል ክብሪ ብምግልጋልን ወቕቱ ዝጠልቦም እዋናዊን ዓበይቲ ሸቶታት ትካልና ብልዑል ተወፋይነት ክሰርሕ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ

About the Author

You may also like these