ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ 81 ጨንፈራታ ሓዱሽ ግልጋሎት ቴሌብር ትጅምር እያ

ትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ስራሕታ ንምዝማን ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ድጅታል ቴክኖለጂ ተጠቒማ ኣብ 72 ጨንፈራታ ግልጋሎት ቴሌብር እናሃበት ዝመፀት እንትኾን ኣብ ቐረባ እዋን ድማ ኣብ  ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከባ  ኣብ 81  ጨንፈራታ ግልጋሎት ቴሌብር ንምሃብ ቕድመ ምድላው ትገብር ከምዘላ ሓላፊ ንኡስ ክፍሊ ግልጋሎት ድጅታል እታ ትካል ኣይተ ኪዳነ ኣረጋዊ ገሊፆም።

ትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ስራሕታ ኽዝምንን ስርዓት ድጅታል ቴክኖለጂ ክተኣታተውን ንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ኣይተ ኪዳነ ብፍላይ ስራሕቲ ግልጋሎት ቴሌብር ክሰፍሕን ናብ ኩሉ ክባፃሕን ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለዉ በዚ መሰረት ድማ ኣብ 71 ጨንፈራት ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ይወሃብ ዝነበረ ግልጋሎት ቴሌብር 81 ብምውሳኽ ኣብ 152 ጨንፈራት ንምስራሕ ይስራሕ ከምዘሎን ነዚ ድማ እዚ ዘሳልጡ ኣብ ኩለን ጨንፈራት ዞባ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ስልጠና ከምዝወሃቦምን ዛጊድ ድማ ካብ ነባር ጨንፈር ዓብዪ ዓዲ፣ካብ ዞናል ጨንፈር ኩሓን ሓዊሱ  11 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም  39 ሰልጠንቲ ኣብ ከተማ መቐለ  ንክልተ መዓልቲ ብዛዕባ  ኣወሃህባ ግልጋሎት ቴሌብር  ብክልስ ሓሳብን ብተግባርን ሰልጢኖም  እዮም ኢሎም።

እዚ ኣብ ዞባ መቐለ ዝተጀመረ ስልጠና ግልጋሎት ቴሌብር ናብ ኩለን ዞባታት ዝባፃሕ  እንትኾን ኣብ ዓዲግራት 34 ሰልጠንቲ፣ ኣክሱም 36 ሽረ እንዳስላሰ ድማ 42 ብሓፈሻ 112 ሰብ ሞያ ኣብ ዙርያ ግልጋሎት ቴሌብር ስልጠና ወሲዶም ናብ ስራሕ ኽኣትዉ ትፅቢት ይግበር።

About the Author

You may also like these