ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሒሳብ ንሰራሕተኛታታ ስልጠና ሂባ

ትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ማይጨው፣ዓብይ ዓዲ፣ዓዲግራት፣ኣክሱምን ሽረ እንዳስላሰን  501   ደቂኣንስትዮ ዝርከበኦም 872   ኣብ ዙርያ ፋይናንስ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታታ ማለት እውን  ኦዲተራት፣ ኣካውንታንትን ክለርክን  ኣብ ወርሒ መጋቢት  ብናይ ውሽጢ ዓቅሚ ስልጠና ሂባ።

እቲ ዝተውሃበ ስልጠና  ኣብ ኣፀባፅባ ምሕረት ወለድ፣ ኣብ ተቀናሲ ኣሰራርሓ ሒሳብ እርግና ቀዋሚ ኣቁሑት፣  ኣብ ዘይተመለሰ ልቃሕ ዝተሓዝ ኣልዋንስን ኣሰራርሓ ጥቅማጥቅሚ ትሕጋግን ዓመት ዕረፍትን መሰረት ዝገበረ ስልጠና እዩ።

እዚ ማእከሉ ዓቅሚ ንምዕባይ ዝተውሃበ ስልጠና ኣብ ዙርያ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝስርሑ ስራሕቲ ፋይናንስ ሓደ ዓይነት ኣፍልጦ፣ ኣረዳድኣን ኣሰራርሓን ክህልዉ ዘክአለ ስልጠና ከምዝኮነን እቲ ዝተውሃበ ስልጠና ኣዝዮ ኣገዳሲ ፣እቲ ስልጠና ብምውሳዶም ኣዝዮም ሑጉሳት ምኻኖም፣  እቲ ስልጠና ድማ ቀፃልነት ክህልዎን ሰልጠንቲ ገሊፆም።

About the Author

You may also like these