ከይትታለሉ

ክቡራት ዓማዊልና
ንጥንቃቐ!
ምስጢራዊ ቑፅሪ ሞባይል ባንኪንግ (PIN) ከምኡ’ውን ንሓደ ግዜ ጥራይ ዝጠቅም መእተዊ ቑፅሪ (OTP) ንዝኾነ ሰብ ከይትህቡ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገንዘብ ክትልእኹ ምስ ትጥየቑ ድማ ቅድሚ ክፍሊት ምፍፃምኹም ትኽክለኛነት ናይ’ቲ መልእኽቲ ብምርግጋፅ፤ ከምኡ’ውን ዘጠራጥሩ ሓበሬታት (links) ካብ ምኽፋት ብምቑጣብ፤ ካብ መጭበርበርቲ ንባዕልኹም ክትከላኸሉ ንሕብር።
ብተወሳኺ፣ ዘጠራጥር መልእኽቲ እንትበፅሓኩም ናብ ማእከል ርክብ ዓማዊልና ብነፃ መስመር ስልኪ 7846 ብምድዋል ወይ ናብ ዝቐረበ ጨንፈር ብምኻድ ብቕልጡፍ ክትሕብሩ ብኽብሪ ንላቦ።
ደደቢት ማይክሮፋይናንስ

About the Author

You may also like these