ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ሰራሕተኛታት ትካልና፤
ኣብ ክልልና ብዝተፈጠረ ኵናት ምኽንያት ዓሚላትናን ትካልናን ኣብ ከቢድ ፀገም ኣለዉ። ብዙሓት ጨናፍር ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይነን። ካብ ዓሚላት ዝእከብ ዝነበረ ልቓሕ ናብ ውዝፍ ኣትዩ ይርከብ። እዚ ፀገም ሓቢርካ ብምስራሕ ስለ ዝፍታሕ #_ፀገማት_ዋላ_እንተበዝሑን_እንተተቖለሉን_ንህዝቢ_ንህቦ_ግልጋሎት_ክቋረፅ_የብሉን ዝብል ሓቦ ሰኒቕና ብልዑል ወነ ክንሰርሕ ይግባእ።
ስለዚ ኩሉ ሰራሕተኛ ትካልና እዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ቀዳምነታት ክፍፅም ይግባእ።
1. ምርግጋእን ምሉእ ስራሕ ምጅማርን (Stabilization)
2. ፍሰት ገንዘብ ምርግጋፅ (Liquidity)
3. ሕግን ደንብን ምኽባር (Compliance)
4. ትካል ምድሓንን ቀፃልነት ዘለዎ ግልጋሎት ምሃብን (Recovery & Business Continuity)
ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ዝፅበ ንጥፈት
• ብሰዓትካ ኣብ ስራሕ ቦታኻ ኣቲኻ ስርሕ ምጅማርን ዓሚላት ብኣኽብሮት ምግልጋልን።
• ንብረትን ገንዘብን ትካል ምሕላውን ብጥንቃቐ ምጥቃምን።
• ዓሚላት ልቓሕ ንኽምልሱ ምሕጋዝን ሓበሬታ ምሃብን።
• ንዕቋር ምድልዳልን ምስ ትካላትን ማሕበራትን ርክብ ኣብ ምጥንካርን ምስታፍ።
• ሓደሽቲ ኣገልግሎታት (ሞባይል ባንኪ፣ ሞባይል ልቓሕ፣ ሓዱሽ ሲስተም) ንዓሚላት ምልላይ።
• ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታ ምክትታልን ንዝምልከቶ ኣካል ብእዋኑ ምሕባርን።
• ኣብ ትካል ዝርእዮም ጉድለታት ብእዋኑ ምሕባርን ፍታሕ ምቕራብን።
እዞም ተግባራት ክፋልምቕምቕራብን ዓመታዊ ትልምና እዮም፣ ቀዳምነት ድማ ይወሃቦም። ፍጥነትን ሓባራዊ ስራሕን ዓብዪ ዓቕምና እዩ። ስለዚ ተወፊና ስራሕና ንዕመም።