ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኽቡራት ዓማዊልና

መተግበሪ ሞባይል ባንኪንግ ኣዶ ክፍሊት (AdoPay) ንምጥቃም ነዚ መተግበሪ ብዘይካ ካብ Google Play Store ወይ Apple App Store ወፃኢ ዝለኣኽ ዘየተኣማምን ልጋብ (Link) ብምጥቓም ናብ ሞባይልና እንተውሪድና፤ ንዘየድሊ ጥቕዓት ሳይበር ስለዘቃልዕ ክንግልገለሉ የብልናን።

ንጥቀመሉ ሚስጥር መሕለፊ ቁፅሪ (Password) ንካልእ ሰብ ክንህብ የብልናን። እንትንፅሕፍ ሰባት ከይሪእዎ ብምሽፋንን ልዑል ጥንቃቐ ብምግባርን ዓርስና ነድሕን። ዘጠራጥሩ ነገራት እንትገጥሙ ናብ ዝቕርበና ጨንፈር ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ብምኻድ ወይ’ውን ናብ ነፃ መስመር ስልኪ 7846 ብምድዋል ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክበፅሕ ክግበር ንላቦ።

ኩልጊዜ ንቑሓት፣ ጥንቁቓትን መስተውዐልትን ብምዃን ዓርስና ካብ ኣጭበርበርቲ ንሓሉ!

ውሑስ ፋይናንሳዊ ስርዓት ክህሉ ሓላፍነትና ንዋፃእ!

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!

About the Author

You may also like these