ሚስጥር መሕለፊ ቁፅሪ (PIN) ብምሕላው ገንዘብና ነውሕስ!
ካብ’ቶም ልዑል ጥንቃቐ ዝሓቱ ቀዳማይ መስመር ምክልኻል ብቐዳምነት ዝፅርሑ ሓደ ምውሓስ ሚስጥር መሕለፊ ቁፅሪ (PIN) እዩ። ነዚ’ውን፦
• ፍሉይን ካልኦት ክግምትዎ ዘፀግም ሚስጥር መሕለፊ ቁፅሪ (PIN) ምጥቃምን ንካልኦት ሰባት ፈፂምካ ኣሕሊፍካ ዘይምሃብን።
• ደደቢት እዚ ሚስጥር መሕለፊ ቁፅሪ ብኣካል ይኹን ብምድዋል ዘቕርቦ ሕቶ ከምዘይህሉ ነረጋግፅ።
• በቢእዋኑ ምቕያር ኣካል ጥንቃቐ ምውሓስ ሚስጥር መሕለፊ ቁፅሪ (PIN) እዩ።
• ከም ቁፅሪ ሞባይል፣ ዕለተ ልደት፣ ተደጋጋሚ ወይ ቀለልትን ተኸታተልትን ቁፅሪ 111111፣ 222222፣ 123456 ዝኣመሰሉ ዘይምጥቃም።
• ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ካልኦት ከይሪኡናን ከይሰምዑናን ድምፂ ዘይምውፃእ።
ዘጠራጥሩ ነገራት እንተጋጥሙና ናብ ዝቐርበና ጨንፈር ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ብምኻድ ወይ ናብ ነፃ መስመር ስልኪ 7846 ብምድዋል ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክበፅሕ ክግበር ንላቦ።
ኩልጊዜ ንቑሓት፣ ግዱሳትን ጥንቁቓትን ብምኳን ዓርስና ካብ መጭበርበርቲ ንሓሉ!
ውሑስ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንክህሉ ሓላፍነት ኩላትና እዩ!
ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!