ኣገዳሲ መጠንቀቕታ!

ብርሕቐት ምቁፅፃር (Remote Access) ፍቓድ ኣብዚ ዲጂታላዊ እዋን፣ ኣጭበርበርቲ ናይ ሞባይል ባንኪ ዓማዊል ንምትላል ዝተፈላለዩ ሜላታት ይጥቀሙ። ሓደ ካብኦም ንዓማዊል ከም ናይ ትካል ሰራሕተኛ ብምምሳል፤ ንሞባይሎም ብርሕቀት ንምቁፅፃር (Remote Access) ዝገብር ፈተነ እዩ።

እዚ ‘ብርሕቀት ምቁፅፃር’ (Remote Access) ፍቓድ ምሃብ፤ ሞባይል ምስ ባዕልና እናሃለወ ካልኦት ክቆፃፀርዎ ዘክእሎም እዩ። ነዚውን ከም AnyDesk፣ TeamViewer ዝመሰሉ ሶፍትዌራት ናብ ናቶም ዝወስድ መራኸቢ ልጋብ (link) ብምልኣኽ ናብ መተግበሪ ሞባይል ባንኪ ክኣትዉ ይፍትኑ።

ክንወስዶ ዝግባእ ጥንቃቐ

• ሞባይል ባንኪንግ ንጥቀመሉ ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ።

• ዘይንፈልጦ ዝለኣኽ መራኸቢ ልጋብ (link) ‘ብርሕቀት ምቁፅፃር’ (Remote Access) ክኸውን ስለዝኽእል ዘይምኽፋት።

• ምስ ደደቢት ንራኸበሉ መገዲ ብንፁር ምፍላጥን ምትግባርን።

ነስተብህል፦

ካልእ ኣካል ንሞባይልና ብርሕቀት ክቆፃፀር ምፍቃድ ምሃብ፤ ገንዘብናን ፋይናንሳዊ መረዳእታናን ኣብ ሓደጋ ጥቕዓት ከውድቐና ከምዝኽእል ግንዛበ ንውሰድ።

ዘጠራጥሩ ነገራት እንተጋጥሙና ናብ ዝቐርበና ጨንፈር ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ብምኻድ ወይ’ውን ናብ ነፃ መስመር ስልኪ 7846 ብምድዋል ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክበፅሕ ክግበር ንላቦ።

ኩል ግዜ ንቑሓት፣ ግዱሳትን ጥንቁቓትን ብምዃን ዓርስና ካብ መጭበርበርቲ ንሓሉ!

ውሑስ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንክህሉ ሓላፍነት ኩላትና እዩ!

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ!

About the Author

You may also like these