ኣገዳሲ መጠንቀቕታ!

ብሞባይል ዝለኣኽ መልእኽቲ ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን!

ብሞባይል ኣቢልካ ጥቕዓት ክፍፅሙ ዝፍትኑ ኣካላት ስለዘለዉ፤ ካብ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝተልኣኸ ብዘምስል ናይ ‘ሓሶት መልእኽቲ’ ናብ ናቶም ዝወስድ መራኸቢ ልጋብ (link) ብምስዳድ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ክሰርቁ ፈተነ የካይዱ።

ስለዚ ክውሰዱ ዝግበኦም ግንዛበታት፦

• ካብ ዘይትፈልጥዎ ፍልፍል ዝመፀ መተኣሳሰሪ ልጋብ (link) ዘይምጥዋቕ።

• ሚስጥራዊ መእተዊ ቁፅርን (PIN) ናይ ሓደ እዋን መሕለፊ ቁፅርን (OTP) ንዝኾነ ሰብ ዘይምሃብ።

• ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ብዝኾነ መገዲ ሚስጢራዊ ኮድ ዘይንሓትት ምዃና ምርዳእ።

• ኣጠራጣሪ መልእኽቲ እንተበፅሐና ብወግዓዊ መንገዲ ምስ ደደቢት ምርኻብ።

ዘጠራጥሩ ነገራት እንተጋጥሙና ናብ ዝቐርበና ጨንፈር ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ብምኻድ ወይ’ውን ናብ ነፃ መስመር ስልኪ 7846 ብምድዋል ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክበፅሕ ክግበር ንላቦ።

ኩልጊዜ ንቑሓት፣ ግዱሳትን ጥንቁቓትን ብምዃን ዓርስና ካብ መጭበርበርቲ ንሓሉ!

ውሑስ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንክህሉ ሓላፍነት ኩላትና እዩ!

ደደቢት ሰረት ብሩህ መፃኢ

About the Author

You may also like these