መቐለ 04 ሕዳር 2019 ዓ/ም ካቶሊክ ካሪታስ ኢትዮጵያ – ኣዲግራት፣ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝወዓለ መድረኽ ኣፍልጦ ምሃብ ንደደቢት ማይክሮፋይናንስ ብዝገበረቶ ፍሉይ ሓገዝን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ኣፍልጦን ምስጋናን ሂባ።
ብፍላይ ንተጋለፅቲ ደቂ ኣንስትዮን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅን ኣብ ሓገዝ ገንዘብ ዝገበረቶ ኣበርክቶ፣ ክብሪ ወዲ ሰብ ኣብ ምሕላው፣ መነባብሮኦም ኣብ ምቕፃልን ተስፋኦም ኣብ ምምላስን ዝነኣድ ተግባር ምዃኑ ኣጉሊሃ ገሊፃ።
እዚ ምስክር ወረቐት ንደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ማሕበራዊ ሓላፍነትን ሰብኣዊ ሓገዝን ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዝምስክር ኣገዳሲ ኣፍልጦ እዩ።
ትርጉም ትሕዝቶ እቲ ምስጋና
“ናይ ምስጋናን ኣፍልጦን ምስክር ወረቐት
ንደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን (DEDEBIT CREDIT AND SAVING INSTITUTION)
ብልባዊ ኣፍልጦን ምስጋናን
ካቶሊክ ካሪታስ ኢትዮጵያ – ዓዲግራት፣ ኣሓት ሰናይ ግብሪ (CCE-AdDoC)፣ ንዝገበርኩሞ ፍሉይ ትካላዊ ሓገዝን ኣብ ሰብኣዊ ተግባራት ዘርኣኹምዎ ቅዱስ ተወፋይነትን ዓሚቝ ምስጋናኡ ይገልፅ። ብፍላይ ኣብ ከባቢኡ ብሰንኪ ከቢድ ዕፅዋ ፋይናንሳዊ ኩነታት ኣብ ዝተፈጥረሉ እዋን፣ ንተጋለፅቲ ደቂ ኣንስትዮን ካብ ፆታዊ ዓመፅ ንዝተረፋ ሰባትን ኣብ ምቕራብ ሓገዝ ገንዘብ እትገብርዎ ሓገዝ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዝነኣድ እዩ።
ካብ ልሙድ ግልጋሎታት ፋይናንስ ሓሊፍኩም፤ ትካልኩም ሓገዝ ሰብኣዊነት ናብቶም ዝያዳ ዘድልዮም ሰባት ክበጽሕ ኣኽኢልኩም። እዚ ድማ ዘርኣኹምዎ ምልውዋጥ ኩነታት ንምርዳእ ዘለኩም ተኣጋጋሚ ክእለት፣ ርህራሄን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዘረጋግፅ እዩ።
እቲ ዝገበርኩምዎ ደገፍ ካብ ሓገዝ ፋይናንስ ንላዕሊ ዝኸደ እዩ። ክብሪ ወዲ ሰብ ንኽሕሎ፣ መነባብሮ ሰባት ንኽቕፅልን ንኣሽሓት ተጋላፅ ሰባት ተስፋ ንኽምለሰሎምን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ብዓሚቝ ምስጋና፤ እቲ ንሰብኣውነት ዝገበርኩምዎ ኣበርክቶን ተወፋይነትን ኣዝዩ ዝነኣድ ምዃኑ ብኽብሪ ነፍልጠኩም።
03 ሕዳር 2019
See less