ትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ማይጨው፣ዓብይ ዓዲ፣ዓዲግራት፣ኣክሱምን ሽረ እንዳስላሰን 501 ደቂኣንስትዮ ዝርከበኦም 872 ኣብ ዙርያ ፋይናንስ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታታ ማለት እውን ኦዲተራት፣ ኣካውንታንትን ክለርክን ኣብ ወርሒ መጋቢት ብናይ ውሽጢ ዓቅሚ ስልጠና ሂባ።
እቲ ዝተውሃበ ስልጠና ኣብ ኣፀባፅባ ምሕረት ወለድ፣ ኣብ ተቀናሲ ኣሰራርሓ ሒሳብ እርግና ቀዋሚ ኣቁሑት፣ ኣብ ዘይተመለሰ ልቃሕ ዝተሓዝ ኣልዋንስን ኣሰራርሓ ጥቅማጥቅሚ ትሕጋግን ዓመት ዕረፍትን መሰረት ዝገበረ ስልጠና እዩ።
እዚ ማእከሉ ዓቅሚ ንምዕባይ ዝተውሃበ ስልጠና ኣብ ዙርያ ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝስርሑ ስራሕቲ ፋይናንስ ሓደ ዓይነት ኣፍልጦ፣ ኣረዳድኣን ኣሰራርሓን ክህልዉ ዘክአለ ስልጠና ከምዝኮነን እቲ ዝተውሃበ ስልጠና ኣዝዮ ኣገዳሲ ፣እቲ ስልጠና ብምውሳዶም ኣዝዮም ሑጉሳት ምኻኖም፣ እቲ ስልጠና ድማ ቀፃልነት ክህልዎን ሰልጠንቲ ገሊፆም።